ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ንስራሕተኛታት ጥዕና ኣፍልጦ ብምሃብ ኣመስጊኖም


ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ንስራሕተኛታት ጥዕና ኣፍልጦ ብምሃብ ኣመስጊኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:34 0:00

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ንስራሕተኛታት ጥዕና ኣፍልጦ ብምሃብ ኣመስጊኖም

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ፥ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዚ ከባቢ ናብ ዝርከባ ሆስፒታላት ብምብጻሕ፥ ኣብ ምክልኻል ቫይረስኮሮና ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ንዘገልግሉ ዘለዉ ንስራሕተኛታት ጥዕና ነቲ ዝገብርዎ ስራሕ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣመስጊኖሞም ኔሮም።

እቶም ካብ ዋሽንግተን ዲሲ፥ ሜሪላንድን ቨርጂንያን ኣብ ክለብ ኮሚኒቲኦም ዝተኣኻኸቡ ኣባላት ማሕበረ-ኮም፥ መካይኖም ባንዴራ ኤርትራ ሸሊሞም`ዮም ናብተን ሆስፒታላት ተበጊሶም። ኣቦ-መንበር ኮሚኒቲ ኤርትራ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቶ ወልዱ ፍቓዱ ብዛዕባ`ቲ ዕላማ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ እዚ ወርሒ`ዚ ስውኣትና እንዝክረሉ ረዚን ወርሒ ሰነ ስለዝኾነ፥ ብሽሞም፡ ነዞም ኣብ ምክልካል ኮቪድ-19 ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣፍልጦን ምስጋናን ክንህቦም ስለዝደለና ኢና ኢሉ።

ድሕሪ`ዚ ኣብ ኣፍደገ`ተን ሆስፒታላት ኣብ ዝተኣኻኸብሉ እዋን፥ ዶክተራት፥ ኣለይቲ ሕሙማትን ሰበ-ስልጣን`ተን ሆስፒታላትን ናብ ኣፍደገ ወጺኦም ይቕበልዎም ኔሮም።

ኣብ ኣፍደገ -ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምስጋና፥ ነቶም ኤርትራውያን ወኪሉ መልእኽቲ ዘንበበ መንእሰይ ስምኦን ማሪዮቲ፥ ሰራሕተኛታት ጥዕና፥ ንውልቃዊ ጥዕናኹም ኣውንዚፍኩም፥ ንጥዕና ሕሙማት ክተቐድሙ፡ ካብ ጸገም ክትሃድሙ ዘይኮነስ ናብ ጸገም ስለ እትጎዩ፥ ኣፍልጦን ምስጋናን ንምሃብ ኢና መጺናኩም ዘለና ኢሉ። ኣተሓሒዙ ብሞያኹም ንትገብርዎ ተባዕ ጻዕርን ተወፋይነትን፥ ብሽም ኤርትራውያን መንእሰያትን ኤርትራውያን ኮሚኒቲ ዲ-ኤም-ቪ ብሓፈሽኡን ነመስግነኩም ኢሉ።

ኣብ ሃዋርድ ሆስፒታል ዝሰርሕ ኤርትራዊ ዶ/ር ኣንገሶም ክብረኣብ ድማ፥ እቲ በቶም ኮሚኒቲ ዝተገብረ ተበግሶ ቅዱስ ተግባር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ዓቢይ ሓበን ከምዝስምዖን፣ ንሰራሕተኛታት `ቲ ሆስፒታል`ውን ዓቢይ ትርጉም ዝህብ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ኣኒታ ጀንኪንስ ነቶም ኤርትራውያን ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ድማ፥ እዚ ሆስፒታል፥ እዚ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፥ ንኮሚኒታዊ ኣገልግሎት ዝተወፈየ`ዩ፥ ንሳኻትኩም ድማ ነዚ ተረዲእኩም፥ ከምዚ ኢልኩም ብባንዴራን ሙዚቃን ተሰኒኹም ንዓና ክተመስግኑ ምምጻእኩም ብሓቂ ንዓና ዓብይ ህያብን ጸጋን`ዩ ሞ ኣዚና ነመስግነኩም ኢላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG