ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማላዊ ብዘጋጠማ ህቦቡላ ፍሬዲ 225 ሰባት ምሟቶም ስዒቡ ዓለምለኸ ሓገዝ ፀዊዓ


ህቦቡላ ፍሬዲ ንማላዊ ድሕሪ ምውቅዑ ዝሰዓበ ውሕጅን ምፍርራስ ኣባይትን ህንጻታትን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ሞይቶም። ነዚ ዝወረደ “ሃገራዊ ሓደጋ” ንምምካት ፕረዚደንት ማላዊ ትማሊ ረቡዕ ዓለምለኸ ሓገዝ ፀዊዕም።

እዚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ኣብቲ ዞባ ንኻልኣይ ጊዜ ዘጋጠመ ህቦቡላ ንማላዊ ክወቕዓ ንፈለማ እዋን እዩ ።ፕረዚደንት ላዛሩስ ቼክዌራ ንኽልተ ሰሙን ዝፀንሕ እዋን ሓዘን ዝኣወጁ ኾይኖም “ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ካብቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓቕሚ ዝዓበየ እዩ” ኢሎም።

መንግስቲ በቲ ሓደጋ ንዝተጠቕዑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ማላውያን ንምሕጋዝ 1.5 ሚልየን ዶላር ክህብ ምኳኑ ቃል ኣትዩ። ከም ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ስጋብ ሕጂ ብውሑዱ 225 ከምዝሞቱን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ድማ ምቑሳሎም ይገልፁ።

ህቦቡላ ፍሬዲ ንማላዊን ንጎረቤት ሃገር ሞዛምቢክን ድሕሪ ምውቅዑ ዝተፈጥረ ውሕጅን ምህማም መሬትን ብድምሩ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ስጋብ 290 ዝበፅሑ ሰባት ቀቲሉ'ሎ።

ኣብ ደቡባዊ ክፍልታት ማላዊ ብፍላይ ንንግዳዊት ንርእሰ ከተማኣ ባላንትይረ ድሕሪ ምህሳዩ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ጻዕርታቶም ቀጺሎም ኣለው።

በቲ ሓደጋ 88,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ኮይኖም ኣብ 165 መዕቆቢ ማእከላት ተዓቑቦም ይርከቡ። ብዙሓት ድማ እቲ ሓደጋ ብዝፈጠሮ ውሕጅን ጭቃን ተወሲዶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ምህላዎም ኣገግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG