ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማላዊ ብዘጋጠመ ህቦብላ ሓዘል ዝናብ ኣስታት 200 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ማላዊ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ ብርቱዕ ህቦብላ ሓዘል ዝናብ ብውሑዱ ኣስታት 200 ሰባት ቀቲሉ። እዞም ሰባት ዝሞቱ 'ፍረዲ' ብምባል ዝተጸወዐ ብርቱዕ ህቦብላ ሓዘል ዝናብ ንደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዝጥቅዓሉ ከምዝኾነ ሰራሕተኛታት ረድኤት ገሊጾም።

መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ካብቲ ብርቱዕ ህቦብላ ሓዘል ዝናብ 'ፍረዲ' ዝደሓኑ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ጥቃ እታ በቲ ሓደጋ ተፈጥሮ ዝተጠቅዓት ደቡባዊት ከተማ ብላንታየር ኣብ መዕቆቢ ማእከል ተዓቁቦም'ለዉ።

'ፍረዲ' ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ንኣውስትራልያ ድሕሪ ምጥቅዑ ብውቅያኖስ ህንዲ ሰጊሩ ኣብ ደቡብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ካብ መወዳእታ ለካቲት ኣትሒዙ ዝናብ ክሃርም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ንካልኣይ ጊዜ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

XS
SM
MD
LG