ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ተሰናባቲ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር(2ይ ክፋል)


ንምርጫ ወሲኽካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ዝፍጸም ተግባራት ንዝመጽእ ወለዶ ተስፍኡ ዝውስን`ዩ ክብል ዝሰናበት ዘሎ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ረይነር ተዛሪቡ።

ዝመጽእ ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ዕዉት ንክኸውን ሃገሩ እትገብሮ ድጋፍ ከም እትቕጽል`ውን ኣረጋጊጹ።

ዝተፈላለዩ ፈተናታት ዝገጠምዋ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝተራእዩ ለውጥታት ትካላዊ ንምግባር ብዙሕ ርሕቀት ምጉዓዛ`ውን ገሊጹ`ሎ።

ዝሰናበት ዘሎ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ረይነር ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸነሓሉ ሰለስተ ዓመታት ዝገምገመን ተስፋን ትምኒቱን ዘንጸባረቐሉ`ዩ ኔሩ።

ናብ ኢትዮጵያ ክመጽእ ከሎ ንዝነበረ ኩነታት ብምጅማር ከምዚ ይብል፡ "ኣቐድም ኣቢለ ከምዝጠቐስክዎ ኣብዚ ምስ መጻኹ ናይ መጀመርያ ሰሙን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመሓዳድርኡ ናይ ምስፋሕ ኩነታት ንክበራታዕ ፈቲና ኢና። ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ እምነት ንክህልዎ ከምኡ`ውን ናይ ፖለቲካ ተሳትፎን ኤኮኖሚያዊ ዕድልን ንክህቦም። ድሕሪኡ ዶ/ር ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ምሉእ ንምሉእ ናይ መንግስቲ ኣንፈት ብምኽታልን ምስኡ ብምጥዕዓምን ናይ ፖለቲካ ናይ ኤኮኖሚን ፍትሕን ስርዓትን ናይ ጸጥታን መዳይ ምምሕያሻት ንምትግባር ነቲ ዝገብሮ ጻዕሪ ንምድጋፍ ስልታዊ ትልምታት ነዲፍና ብፍጥነት ተንቀሳቒስና ኢና ኢሉ ።"

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ዝተኻየዱ ናይ ምምሕያሽ ስጉምትታት ውጽኢት ከምዘምጽኡ`ዩ ማይክ ረይነር ዘብርህ።

"ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ኣገልግሎተይ ወዲአ ክኸይድ ከለኹ፡ እዛ ሃገር`ዚኣ ናይ ደሞክራሲ ተስፋን ናይ ኤኮኖሚ ዕድልን ዘለዋ ሃገር ካብ ምኳን ኣንጻር ብርክት ዝበሉ ፈተናታት እንተኣጋጠምዋ`ውን ንዕኦም ናይ ምምሕያሽ ስራሓት ትካላዊ ካብ ምግባር ኣንጻር ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዛ`ያ።"

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ይርአ`ዩ ዝበሎ ምምሕያሻት ቀጻልነት ክህልዎ ከምዝግባእ`ውን ተዛሪቡ። ናይ ጸጥታ ፈተናታት ኣብ ዝፈጠጥሉ`ውን እንተኾነ ኢትዮጵያ ብመንጽር ኣተሓሕዛ ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ዘርኣየቶ ምምሕያሽ ቀጻልነት ክህልዎ ይግባእ ዝበለ ኣምባሳደር ረይነር፡ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶም ቆራጽ ጻዕርታት ነበራትዕ ኢሉ።

በዚ መንጽር ድማ ናይ ሃገሩ ኣሜሪካ ድጋፍ ቀጻሊ ከምዝኸውን`ዩ ተዛሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርጫ ዕውት መታን ክኸውን ኣሜሪካ ዝገበረቶ ድጋፍ`ውን ጠቒሱ`ሎ።

"እቲ ምርጫ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደሞክራሲያዊ ስግግር እምኒ ኩርናዕ ጌርና ኢና ንርእዮ። ኢትዮጵያ ነቲ ምርጫ ድሕነቱ ዝተሓለወ ተኣማንነት ዘለዎ ኣሳታፊን ናይ ህዝብታት ፍቓድ ዘንጸበረቐሉን ብዝኾነ ኣገባብ ንክተካይድ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ጌርና ኢና።ኣብዚ መስርሕ`ዚ ካብ መጀመርያ ጀሚርና ተሳትፎ ጌርና ኢና። እዚ ድማ ክሳብ 34 ሚልየን ዶላር ዝበጽሕ`ዩ ናይ ምርጫ ድጋፍና። እዚ ማለት ንተቓወምቲ ዝግበር ድጋፍ`ውን ዘጠቓለለ`ዩ። እቲ ምርጫ ውድድር ዘለዎ መታን ክኸውን።"

ኣምባሳደር ረይነር ደሞክራሲያዊ ክኸውን ዘለዎ ከምኡ`ዩ ድሕሪ ምባል ዝቕጽል ምርጫ`ውን ዕዉት ንክኸውን ኣሜሪካ ነቲ ትገብሮ ድጋፍ ዝምችእ ምዃኑ ሓቢሩ።

"ናብ ሓደ ሃገር ከይደ ንሓደ ቀ/ሚ ወይ ሓላፊ ቦርድ ምርጫ ኣንጻርኩም ንዝወዳደሩ ፓርትታት ስልጠናን ድጋፍ ክህብ እደሊ`የ ኢለ ክሓትትን እቲ ቀዳማይ ሚንስተር በጃኻ ግበሮ ክብሉኒ ከለዉ እዚ ንዓይ ዝተለምደ ኣይኮነን- እንደልዮ ውጽኢት ግን እዚ`ዩ- ንደልዮ ደሞክራሲ እዚ`ዩ ስለዚ ብጣዕሚ ተስፋ ሂቡና`ሎ" ኢሉ።

ኣስዒቡ ኣምባሳደር ረይነር ኢትዮጵያ ደሞክራሲ ኣብ ምስፋሕ፡ኣብዚ ዓመት ፍትሓዊን ተኣማንን ምርጫ ንምክያድ ናጽነት መራኸቢ ብዙሓንን ሓሳብካ ብናጻነት ምግላጽ ወሲኽካ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ሓለዋ ብምግባር፡ ግጭታት ብምውጋድን ንናይ ብሄር ምፍጣጥ ፍታሕ ንምሃብ ከባቢያዊ ሓቢርካ ምንባር ብምቕጻልን ኤኮኖሚያዊ ዕድላት`ውን ብምስፋሕ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣዋርሕ እተካይዶ ተግባራት ኣብታ ሃገር ንዝህሉ ቀጻሊ ወለዶ ዝውስን`ዩ ኢሉ ።

ኣብ መንጎ ኣሜሪካ ን ኢትዮጵያን ዘሎ ምሕዝነት ሓይሉ ከምዝቐጸለ ዝገለጸ ተሰናባታይ ኣምባሳደር ማይክል ረይነር፡ ሃገሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ምትሕብብባር ሰለስተ ቢልየን ዶላር ወጻኢ ምግባራ`ውን ጠቒጹ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG