ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ተሰናባቲ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር


ፋይል
ፋይል

ኢትዮጵያውያንን ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ ክልል ትግራይ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ ብዝበለጸ ንክሰርሑ ተሰናባታይ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር ተዛሪቡ።

ብኻልእ ወገን ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ የሕስበና`ዩ ቀልጢፉ ከብቅዕ`ውን ጻዊዕትና ክንቅጽል ኢና ኢሉ።

ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ መተከልን ኣብ ካልኦት ቦታታትን ቅትለታት ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይፍጸሙ`ለዉ ዝብል ጭቡጥ ሪፖርትታት ብገለልተኛ ምጽራይ ክግበረሎም`ውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮይኑ ዝጸንሐ ማይክል ረይነር ጸዊዑ'ሎ።

ኣምባሳደር ረይነር ይኹን`ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ወታሃደራዊ ወፍሪ፡ ናይ ዝኾነ መንግስቲ መሰልን ግዴታን`ዩ ኢሉ ።

ንሱ ወሲኹ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት፡ ኣብ መንጎ ናይ ሃገሩ ግዝኣታዊ ሓድነትን ድሕነት ህዝብን ናይ ምሕላው ግዴታ ዘለዎ መንግስትን፡ ዘይ-ሕጋዊ ዝኾነ ዕጥቃዊ ዓመጽን`ዩ ኢሉ`ሎ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

መግለጺ ተሰናባቲ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:38 0:00


XS
SM
MD
LG