ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ምስ ምንቅስቃስ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኣምሓራ ናይ ዕርቂ ስምምዕ ፈሪሙ


ትማሊ ናብ ኤርትራ ዝኸደ ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ ምስ ምንቅስቃስ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም።

ተወከልቲ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ምስቲ ምንቅስቃስ ናይ ዕርቂ ስምምዕነት ሎሚ ኣብ ኣስመራ ምፍራሞም ሚንስተር ዜና አቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም ኣለው።

ብመሰረት’ቲ ስምምዕ ምንቅስቃስ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኣምሓራ ናብ ሃገር ውሽጢ ብምእታው ብሰላማዊ መንገዲ ፖለቲካዊ ተሳትፍኡ ከካይድ ከምዘክእል ተገሊጹ’ሎ ክብል መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር'ውን ጸብጺበን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG