ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ ኤርትራ ኣትዩ


ብናይ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንን ኮሚሽን ፖሊስ'ቲ ክልል ኣቶ ዘልአለም ልጅአለምን ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ድማ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዝራኸብ ተገሊጹ’ሎ። ይኹንምበር ዕላማ ናይቲ ልኡኽን ኣይተሓበረን።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ብምዃን ኣብ ኤርትራ ምብጽሖምን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር(ኦነግ) ተራኺቦም ስምምዕ ምፍርራሞም ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

ጉጅለ ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ ኤርትራ ኣትዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:33 0:00

XS
SM
MD
LG