ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ነጻነት ኦሮሞ(ኦነግ) ናይ ዕርቂ ስምምዕ ምፍርራሞም ኣፍሊጦም


መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ነጻነት ኦሮሞ(ኦነግ) ናይ ዕርቂ ስምምዕ ምፍርራሞም ኣፍሊጦም።

ወሃቢ ቃል ኦነግ አቶ ቶሌራ አዳባን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳን ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ክልቲ ኦም ወገናት ናይ ዕርቂ ስምምዕ ምግባሮን ኣብ ዝተረፉ ጉዳያት’ውን ብቀጻሊ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም ኣለው።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ አቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጸእዎ መልእኽቲ ሎሚ ክልቲ ኦም ወገናት ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ኦርቂ ተፈራሪሞ ኣለው ኢሎ። ብተወሳኺ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሞያ ኣቶ ለማን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ምዝርራቦም ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:26 0:00

XS
SM
MD
LG