ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኦነግ ናይ ዕርቂ ስምምዕ ኣብ ኣስመራ ተፈራሪሙ


መንግስቲ ፈደራል ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር( ኦነግ) ናይ ዕርቂ ስምምዕ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ተፈራሪሞም።

ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ምዃኖም ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።

ንሶም ብተወሳኺ ኦነግ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳቱ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከካይድን ነቲ ዝተበጽሓ ስምምዕ ዝተግብር ኮሚተ ካብ ክልቲኦም ወገናት ክዋጻእ ተሰማሚዖም ኣለው።

ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ብዛዕባ’ቲ ስምምዕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተራኺቦም ምዝታዮም’ውን ሚንስተር የማነ ገብረመስቀል ወሲኾም ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ሓቢሮም ።

XS
SM
MD
LG