ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኦነግ ዕጥቑ ክፈትሕ ኣተሓሳሲቡ፡ ኦነግ ብወገኑ ከምዘይሰማማዕ ኣፍሊጡ’ሎ


ፋይል- ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ሰራዊት ኦነግ
ፋይል- ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ሰራዊት ኦነግ

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ/ኦነግ/ ሰራዊቱ ዕጥቑ ክፈትሕ ከምዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።ኦነግ ብወገኑ ምስቲ መግለፂ ከምዘይሰማማዕ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣማሲዩ መግለፂ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኦነግ ከምዚ ክብል እዩ ኢለ ኣይሓስብን፤ኣብ ቀረባ ክነዘራርቦም ኢና ኢሎም።

“ኦነግ ዕጥቒ ኣይፈትሕ ኢሉ’ሎ ኢለ ኣይኣምንን እየ።ምናልባሽ ናይ መልሓስ ጌጋ ከይኸውን መሊስካ ምርግጋፅ የድልይ።ንዝኾነ ይኹን ተወዳዳሪ ፓርቲ ዕጥቒ ኣየድልዮን እዩ።ናይ ሓሳብ ዕጥቒ እዩ ዘድልዮም።… ሎሚ ክሙግት ዘኽእል፣ምኽንታዊን ሳይንሳውን ዝኾነ ዓቕሚ እዩ ዘድሊ እምበር ክላሽ ኣየድልን።”

ምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ካሳሁን ጎፌ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኦነግ ናብ ሃገር ዝኣተወ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ውድድር ከካይድ እዩ፤ካብዚ ወፃኢ ዕጥቒ ሒዝካ ሰላማዊ ዝብሃል ነገር የለን ኢሎም።ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ዕጥቒ ሒዙ ክመርሕ ዝኽእል መንግስቲ ጥራሕ እዩ፤ምፍታሕ ዕጥቒ ምስ ልዕልነት ሕጊ ዝተሓሐዝ ስለዝኾነ ንልዝብ ዝቐርብ ኣይኮነን፤ክልተ መንግስቲ ክህሉ ስለዘይግባእ መንግስቲ ናይ መንግስትነት ተራኡ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ከረጋግፅ እዩ ኢሎም።መንግስቲ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግስቲ ናይ መንግስቲ ድኽመት ተገይሩ ከይውሰድ ኩሉ ከፍልጦ ኣለዎ እውን ኢሎም።

ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኦነግ ኣብ ደቡብን ምዕራብን እታ ሃገር ዝተዓጠቑ ሰራዊት ከምዘለዎ ብምግላፅ ምፍታሕ ዕጥቒ ብዝምልከት ሰራዊት ኢህወዴግ ናይ ፓርቲ ሰራዊት ሰለዝኾነ ስኽፍታና ስግኣትና ንቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፅና ኢና ኢሎም።

“ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኣእዳዎም ብደም ዝጠልቀየ ኣዘዝቲ ኣለው።እዚኦም ክፀርዩ ከምዘለዎምን ተገምጊሞም ንፁሃንን ሰራዊት ኢትዮጵያ ምዃኖምን ክረጋገፅ ናትና ሕቶን ስግኣትን ብምዃኑ መንግስቲ ነዚ ክፍፅም ሓቲትና ኢና።ብወገና ድማ ምስኦም ዝተሰማማዕናሉ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ደሕንነት መንግስቲ፣ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ከምኡ እውን ኣብ ፖሊስ ኦሮሚያ ከመይ ክፅምበሩ ከምዝኽእሉ ኢና ተሰማሚዕና።”

ኣቶ ዳውድ ንሕና ዝተሰማማዕናሉ ሓደ ዕጥቒ ዘፍትሕ ካልእ ድማ ዝፈትሕ ኣይኮነን፤ መንግስቲ ኲናት ዝኸፍት እንተኾይኑ ግን ናትና ጉዳይ ኣይኮነን ከም ድላዮም ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ክብሉ ብጉዳያት ኮሚኒኬሽን ንዝተውሃበ መግለፂ መሊሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG