ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንፈለማ ጊዜ ገሊጹ 


"ሰራዊት ኤርትራ፣ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ትግራይ ከምዝኣተወ" ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ አብዪ ኣህመድ ንፈለማ ጊዜ ብወግዒ አፍሊጦም። "መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰራዊቱ ንምውጻእ፣ ሃገራዊ ስግኣት ድሕነት ክፈጥረለይ እዩ" ከምዝብል’ውን ገሊጾም።

እቶም ቀ/ሚ "ሰራዊት ኤርትራ ንዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ እናተንቀሳቀሰ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብጥፍኣት ብዝፍረድ ብዝኾነ መገዲ ዝፍጽሞም ጥፍኣታት ኣይንቅበልን። እዚ ዘይንቅበሉ ምኽንያት ፈጻሚኡ ሰራዊት ኤርትራ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ሰራዊትና እንተፈጺሙዎ’ውን ኣይንቅበልን። እቲ ወፍሪ ብንጹር ምስ ዝተነጸሩ ጸላእትና’ምበር ምስ ህዝቢ ኣይኮነን" ኢሎም ።

ቀ/ሚ ኣብይ "ምክልኻል ሃገር፣ ክሕደት ተፈጺምዎ፣ ብናይ ገዛእ ወገናቱ ጥፍኣት ክፍጸሞ ከሎ፣ ህዝብን መንግስቲ ኤርትራ ናብኦም ንዝሰገሩ ወትሃደራት ዝሓዘሉ ኣገባብ፣ ናብ ዝመረጽዎ ንክኸዱ ዝመረጸሉ መገዲ፣ ናይ ኩል ጊዜ ናይ ኢትዮጵያ ባዓል ውዕለት እዩ። ንህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ኣዚና ኢና ነመስግን"ኢሎም።

ንሶም ስራሕቲ ዝተፈላለዩ ሚድያታት፣ በይነ መንግስታት፣ ዘይመንግስታዊ ተሓለቅቲ መሰላት፣ ዛጊድ ንዝዘርግሕዎም ሓበሬታታ ብምግምጋም ‘ሚዛኑ ዘይሓለወ እዩ’ ክብሉ ወቂሶም።

ቀ/ሚ ኣብይ "እዚ ኩሉ በደል ወሪዱና፣ ንቁጠባ ሃገር ዘናውጽ፣ ንሃገር ዘዋርድ ስራሕ ተፈጺሙ ከብቅዕ፣ ተመንጢልና፣ ተዘሪፍናን ተቀቲልናን እናሃለና ተኸዲዕና እናሃለና፣ መሊሶም ንዓና ገበነኛ ንክገብሩና ይጽዕሩ ኣለው" ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG