ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ፋብሪካ ማቶኔላ ዘጋጠመን 23 ሰባት ዝሞትሉ ባርዕ ሓዊ ዘበገሰ ነትጊ ንምጽራይ ምርመራ ክካየድ አዚዙ’ሎ


ብመሰረት ዝተረኽበ ፈላማይ ጸብጻብ ናይ ጋዝ ታንክ ተተኹሲ ነቲ ባርዕ ምፍጣሩ ተሓቢሩ’ሎ። ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት’ቲ ትካል መሃመድ ከሃር “ እቲ ባርዕ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ጥቃ እቲ ፋብሪካ ኔርና። ንቁርሲ ወጺና ምንቕጥቓጥ መሬት ዝመስል ነገር ሰሚዕና። ሽዑ ናብቲ ፋብሪካ ክን ኣትው ፈቲና እንተኾነ ግን ኣይከ አልናን” ኢሎም። ሓደ አባል ፖሊስ ብወገኑ ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና ኣቑሑት ኣብ ተራግፈሉ ዝነበረት እዋን ናይ ቴክኒክ ጸገም ከምዘጋጠመ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG