ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 13 ጉባኤ ህውሓት ኣመራርሓ’ቲ ውድብ ብምምራጽ ተዛዚሙ


መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል አቦ መንበር እቲ ውድብ ንወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚ ኣብሄር ድማ ምክትል አደ መነብር’ቲ ውድብ ጌሩ ብምምራጽ ኣኼብኡ ሎሚመዓልቲ ዛዚሙ።

ኣብቲ ጉባኤ 55 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ተመሪፆም ካብዚኦም እቶም 30 ሓደሽቲ እዮም።

ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበሩ 45 ናብ 55 ቁፀሪ ክውስኽ ዝተገበረ ኮይኑ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ድማ ካብ 9 ናብ 11 ክዓቢ ተገይሩ።

12 ነባራት ኣመራርሓ ማእከላይ ኮሚቴ እውን ካብቲ ኮሚቴ ብኽብሪ ተሰናቢቶም።

ኣብዚ ጉባኤ ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ዝተመሓሸ ኮይኑ ብመሰረት እዚ ኣባል ህወሓት ንምዃን ተወላዲ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝኾነ ተወላዲ ካlእ ክልል እውን መስመር እቲ ውድበ ተኣሚንሉ ኣባል ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መበል 13 ጉባኤ ህውሓት ኣመራርሓ’ቲ ውድብ ብምምራጽ ተዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:38 0:00


XS
SM
MD
LG