ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስመር ቴሌፎን ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ጀመረ ምስ ስድራ ቤቶም ዝተራኸቡ ስድራቤት ዝሃብዎ ርእይቶ


ሄኖክ ምስ በዓልቲ ቤቱ አድያምን ወዱን
ሄኖክ ምስ በዓልቲ ቤቱ አድያምን ወዱን

ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ኣስመራ በጺሖም ኹናት ኤርትራን ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ምብቕዑ ምስተፈረመ፡ መስመር ቴሌፎን ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ጀሚሩ። ሄኖክ ኣስገዶም ኹናት ኢትዮ-ኤርትራ ምስ ተጀመረ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎገ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰ ኤርትራዊ’ዩ።ሄኖክ ኣብ ኤርትራ ዝገፈዶም ስድራ ቤቱ ንመጀመርያ ጊዜ ብቐጥታ ደዊሉ ረኺብዎም። ብዛዕባ’ቲ ዝተሰምዖ ድማ ከምዚ ኢሉ።

“ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ መዓልታት ዝተሰመዓኒ ሓጎስ ከገልጽ ቃላት ይሓጽረኒ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኤርትራ ንቀ/ሚ አብይ ኣብ አስመራ ብኸመይ ከምተቐበሎ ርእዮም’ዮም። ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሰላም ንነብር ህዝቢ ኢና። ሕጂ ድማ ኹሉ ሰብ ካብ ሰላም እንታይ ክኽሰብ ከምዝኸአል ይርእይ ኣሎ። ኹናት ሕይወት ሰብ የጥፍእ፡ ንብረት የውድም ብዙሓት ድማ በዚ ኹናት ተሳቕዮም’ዮም።”

በዓልቲ ቤት ሄኖክ አድያም ገብረስላሴ ቅድሚ ክልተ ዓመታት’ያ ናብ ኢትዮጵያ ከይዳ ንሳ’ውን ወለዳ ውላዳ ክርእዩ ዘለዋ ድልየት ትገልጽ።

ሄኖክ ብዛዕባ አዲኡ ከይረአየታ ብሞት ዝተፈልየቶ ሓፍቱ ከምዚ ይብል።

“ ሞትን ሕማምን ካብ ኣምላኽ’ዩ። ሓፍተይ ን14 ዓመታት ካብ ስድራና ተፈልያ ጸኒሓ፡ ኣብ ሕቑፈይ’ያ ሞይታ። አደይ ከይረአኹ ክመውት’የ እንዳበለት ሓሊፋ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ኹናት’ዩ። ብርግጽ አደይ ብሱዳን አቢላ ዳሕራይ መጺኣ ግን ንሓፍተይ ብህይወት ክትረኽባ ኣይኸአለትን። ዓይና ከይረአኹ ሞይታ ኢላ ድማ ትጉህይ” ይብል።

ሄኖክ ምስ ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ናብ ኣስመራ ንምኻድ ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ’ውን ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምኽያድ ሎሚ ሶኑይ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው።

ርእይቶ እዞም ሰባት ቕድሚ ምብጻሕ ፕረ. ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ምዃኑ ክንሕብር ንፈትው።

XS
SM
MD
LG