ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሓሪ ዑቕባሚካአል (ጠዊል)፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱን ኩነታት ጥዕንኡን


መሓሪ ዑቕባሚካአል (ጠዊል)፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱን ኩነታት ጥዕንኡን
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:56 0:00

መሓሪ ዑቕባሚካአል (ጠዊል)፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱን ኩነታት ጥዕንኡን

ስነ-ጥበበኛ መሓሪ ዑቕባሚካኤል (ጠዊል) ሓደ ካብቶም ኣብ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ባህሊ ትግርኛ ከኣ ብፍላይ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዘለዉ መንእሰያት’ዩ ።

ኣብ 2007/2008 ካብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ብዓውዲ ምሕደራ ንግዲ ዝተመረቐ መሓሪ ፡ነቲ ተማሃራይ ከሎ ዝጅመሮ ስነ-ጥበባዊ ንጥፈታቱ ንምድራዕ ፡ካብ ኮለጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ዓዲ ቐይሕ ብዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ተወሳኺ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ተመሪቑ’’ዩ።

በቲ ዝተመረቐሉ ዓውዲ ከኣ ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡ጎኒ ጎኒ ፡ ኣብ ኣፋዊ ያታታት ብሄረ ትግርኛ ዝገብሮ መጽናዕቲ፡ ንዝተፈላለዩ መንእሰያትን ዓበይትን ደረፍትን ብርክት ዝበሉ ግጥምታትን ዜማታትን ኣበርኪቱ’ዩ ።

ህዝባውን ሃገራውን ባዓላት ንምድማቕ ኣብ ዝቐርቡ ድራማታት’ውን እጃሙ ኣበርኪቱ’ዩ።ንባህሊ ትግርኛ ዝገልጹ ጽሑፋት ኣብ ምድላውን ንሓደስቲ መንእሰያት ኣብ ኣፋዊ ያታታትን ባህላዊ ውርሻታትን ዘተኮሩ ስልጠናታት ኣብ ምሃብን ፡ኣብ ምሕጋዝን ፡ተመክሮኡ ኣብ ምክፋልን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ግዱስ ስነ-ጥበበኛ’ዩ።

ስነ-ጥበበኛ መሓሪ ዑቕባሚካኤል(ጠዊል) ኣብ የማናይ እግሩ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከቢድ መጥባሕቲ ኣካይዱ’ሎ።ንኩነታት ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱን ጥዕንኡን ኣመልኪቱ ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG