ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ዝበዝሑ ኤርትራዊያን ዝኾኑ ኣስታት 150 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምሟቶም ገሊጹ


ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 300 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ኣውሮጳ ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ኮመስ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብምጥሓላ ኣስታት 150 ስደተኛታት ምሟቶም ሓቢሩ’ሎ። ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብወገኑ ትማሊ ሓሙስ ኣስታት 134 ስደተኛታት ብገፈፍቲ ዓሳ ምድሓኖምን ሃለዋት 115 ስደተኛታት ከምዘይተፈልጠ ገሊጹ’ሎ ።

መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ኤርትራዊያን ምዃኖምን እቶም ካልኦት ድማ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ኤርትራዊ ስደተኛ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዚ ይብል።

ኣስታት 150 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ጥሒሎም ምሟቶም ይግለጽ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:52 0:00

“ንኣስታት ሓደ ሰዓት ምስ ተጉዓዝና እቲ ሓደጋ አጋጢሙና እታ ተጻዒናያ ዝነበርና ጀልባ ጥሒላ። ብዘይኻ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝበዝሓ ኣብታ መርከብ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ሞይተን እየን። ኣስታት ሸውዓተ ሰዓት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጸኒሕና ክረድአና ዝመጸ ኣካል የለን ገዛእ ርእስና ኢና ኣድሒና” ይብል።

ዓብደላ ኣሕመድ ዓብዱላሂ ዝተባህለ ካልእ ስደተኛ ድማ “ኣስታት 300 ስደተኛታት ኢና ኔርና። ክንጥሕል ምስ ጀመርና ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ሞይቶም። ደቂ ኣንስትዮ፡ህጻናት ኹለን እተን ኣዋልድ ሞይተን። ኣልሓምዱላሂ ንኣስታት ሸውዓተ ሰዓታት ሓንቢስና ብገፈርቲ ዓሳ ሓገዝ ድሒና ኣስታት 100 ንኸውን ድሒና። ሕጂ’ውን ክልተ መዓልታት ጌርና አለና ክሕግዘና ዝመጸ አካል የለን። ሬሳታት ንርእይ ኣለና ግን ኸአ ሕጂ’ውን ኣብ መሬት ኮይና ንሞት ንቃለስ አለና “ ይብል።

እቶም ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ኣብ ኮመስ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተወስዱ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ምስ ጸብጸባ ናብቲ ቦታ ደዊልን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ሓላዊ’ቲ መዳጎኒ ማእከል መግቢ ኾነ እኹል ቦታ የብለይን ብማለት ናብቲ ማእከል ከይኣትው ከምዝከልከለ ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ዝጸንሑ ስደተኛታት ሓቢሮምና።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ቻርሊ ያክስሊ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ምጥሓል ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጀልባ ብዝምልከት እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ዝተሓላለኸ ምዃኑ ብምግላጽ ከምዚ ኢሎ።

“ትካልና ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት ዝመጽሉ ሃገራት እኹል ዝኾነ ኣፍልጦ ኣለዎ። ንዜግነት እቶም ስደተኛታት ንፈልጦ ኢና ብተወሳኺ አባላትና ምስቶም ስደተኛታት ይዘራረቡ እዮም። ታሪኾም ንሰምዖ ኢና። ካበይ ከምዝመጹ እንተነገሩና’ውን ባዕልና’ውን ነጻርይ ኢና።ካብ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኣጸጋሚ ኩነታት ሃዲሞም ኣውሮጳ ከነብጽሓኹም ኢና ብዝብሉ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ናብ ሊብያ ይመጹ። ኣብዚ ድማ ተመሳሳሊ ወይ’ውን ዝኸፍአ ኩነታት ይገጥሞም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር ኣብ ሊብያ ብዝረአይ ዘሎ ኹናት ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ ስደተኛታት ጥራይ ዘይኾነ ንዝኾነ ሲቪል ሰብ ኣጸጋሚን ኣስጋኢን ኩነታት እዩ ዘሎ” ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG