ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዂናት 1.39 ሚልዮን ተማሃሮ ንሳልሳይ ዓመት ካብ ትምህርቲ ይቦኽሩ ይብል


ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዂናት 1.39 ሚልዮን ተማሃሮ ንሳልሳይ ዓመት ካብ ትምህርቲ ይቦኽሩ ይብል
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:25 0:00

ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዂናት 1.39 ሚልዮን ተማሃሮ ንሳልሳይ ዓመት ካብ ትምህርቲ ይቦኽሩ ይብል

ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ውግእ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ቆልዑት ንሳልሳይ ዓመት ካብ ትምህርቲ ይቦኽሩ ኣለዉ ኢሉ ። ናብ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ትግራይ ድሕሪ ምውጽኦም ኣብያተ ትምህርቲ ይኽፈታ`ኳ እንተሃለዋ፡ ተመሃሮ ግን በሰላ`ቲ ኩናት ካብ ሓንጎሎም ኣይወጸን።

ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት፡ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ`ቲ ኩናት ኣስታት 1.39 ሚልየን ቆልዑት ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም ኣለዉ። ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ኣብ ዝተኸልከልሉ እዋን፡ ኣብ ጎረቤት`ቲ ክልል ዝኾነ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብቲ ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዙ ዝነበረ ከባብታት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ ጀሚረን ኣለዋ። እንተኾነ እቲ ግጭት ገና ካብ ሓንጎል`ቶም ተመሃሮ ክወጽእ ኣይክኣለን። ጋዜጠኛ ሀንሪ ዊልክንስ ኣብቲ ቦታ ኮይኑ ከምዚ ይብል፡፡

"ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ጋሼና፡ ህወሓት ንኣብያተ ትምህርቲ ከም መዓስከር`ዩ ተጠቒሙሎም። ብኣስከሬናትን ጃምላዊ መቓብራትን`ዩ መሊእዎም። ሽሕ`ኳ ሕጂ ነበርቲ የውጽእዎ እንተሃለዉ። ኣብ መናድቕ`ቲ ኣብያተ ትምህርቲ ንዓሌት ኣምሓራን ንቀዳማይ ሚንስተርን ዝጸርፍ ጽሒፎም ገዲፎም ከይዶም።"

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነቲ ክስታት ብምንጻግ ናጻ ምጽራይ ክግበር ይጽውዕ።

ሓደ ተመሃራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ወጹ ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመልሰ ዘጋጠሞ ነገር ከምዚ ክብል ይገልጽ፡“ምስ ተመለስኩ ምልክታት ደም ጸኒሑኒ። ጣውላታት ተሰይሩ፡ ኮምፒተራት ተሰባቢሩ ፋሕ ፋሕ ኢሉ ጸኒሑና። ህወሓት ነዚ ቤት-ትምህርቲ ከም ማእከል ሕክምና`ዩ ተጠቒምሉ። ብኸምኡ`ዩ ብዙሕ ምልክታት ደም ዝርኣይ ዘሎ።"

ምኽትል ርእሰ-መምህር ገትነት ሃብታሙ፡ እቲ ኣስከሬናትን መቓብራትን ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዘሕድሮ ስነ-ልቦናዊ ጉድኣት ብምርኣይ፡ ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ነቲ ኣስከሬናት ካብቲ ቤት ትምህርቲ ኣውጺኦም ናብ ካልእ ከግዕዝዎ የወሃህድ ኣሎ።

“ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ይኣብዩ`ለዉ። ምኽንያቱ እቲ ቀጽሪ ምሉእ ንምሉእ ተበላሽዩ`ዩ። ኣብ ፈቐድኡ ደም ኣሎ። ነቶም ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምምላስ ምስ`ቲ ኮሚኒቲ ንሰርሕ ኣለና። መማህራን ገዛ ገዛ እናኸዱ ነቶም ተመሃሮ ናብ ትምህርቲ ንክምለሱ ከእምንዎም`ዮም ዝፍትኑ ዘለዉ።"

ካብ ጋሸና ንሰሜን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከተማ ሰቖጣ፡ ሕቡራት ሃገራት በቲ ግጭት ንዝተፈናቐሉ ቆልዑ ትምህርቲ ይህብ ኣሎ። እንተኾነ ብዙሓት ብሰንኪ`ቲ ዝርኣይዎ ዂናት ስነ-ልቦናዊ ስንባደ ዝሓደሮም`ዮም። ብርቱካን ገብራት ሓንቲ ካብኦም`ያ፡“ሓወይ ምስ ዓርኩ ክጻወት ከሎ ብነታጒ ተቐቲሉ። ብዙሕ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት`የ ርእየ። ሰባት ኣካላቶም ተቖራሪጹ ከሎ ክቕተሉ ርእየ።"

ዳይሬክተር`ቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወል ፡ 'ትምህርቲ ክጽበ ኣይክእል' ዝብል ዘይመኽሰባዊ ትካል ዝኾነት ያስሚን ሸሪፍ፡ ትምህርቲ ንከም ብርቱካን ዝበሉ ተመሃሮ ካብ በሰላ-ዂናት ንክወጹ ኣገዳሲ ተራ ክህልዎ`ዩ ትብል።

“ኣባላት ስድራ፡ ኣሕዋት፡ ቆልዑት፡ ጾታዊ ዓመጽን ሞትን ወሪድዎም`ዩ። እዞም ነቲ ጎንጺ ዝርኣዩን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመን፡ ናይ ሓንጎል በሰላ ክሓድሮም ግድን`ዩ። ነዚ ኢና`ውን ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮን ስነ-ልቦናን ኣብ ትምህርቲ ኣገዳሲ ህይወት ኣድሕን ኣካል`ዩ ንብል ዘለና"

ያስሚን ኣተሓሒዛ፡ ሃገራት ክምዕብላን ካብ ቀጻሊ ግጭት ክወጻን እንተኾይነን መግብን ጽሩይ ማይን ንተፈናቐልቲ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ትምህርቲ`ውን ኣብ ነዊሕ እዋን ኣገዳሲ`ዩ ትብል ።


ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ሀንሪ ዊልክንስ ካብ ጋሸና፡ ክልል ኣምሓራ ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ንሳልሳይ ዓመቶም ትምህርቲ ቦኺሮም ዘለዉ ኣስታት 1.39 ሚልየን ቆልዑት ድማ፡ እቲ ሳዕቤን ምናልባት ንምሉእ ዕድሚኦም ዝተንከፈ ክኸውን`ዩ ይብል ።

XS
SM
MD
LG