ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ መቐለ ኣትዮም


ኲናት ክልል ትግራይ ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን፡ ብወሃቢ ቃል ተዋካሎ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጕጅለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቀትሪ መቐለ ኣትዩ። እቲ ጕጅለ ንኣማኻሪ ጸጥታ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ጊደዎን ጢሞቲዎስ’ውን ዝሓቖፈ’ዩ።


ዕላማ እታ ጕጅለ ልኡኽ፡ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ክልተ ወገናት፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ዳህሳስ ንምግባር ምዃኑ ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይጠቅስ።


እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ-ነጋ ድሕሪ ምእታዉ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ትግራይ ተቐቢሎሞ ኣለዉ። ንምእታው እቲ ጕጅለ ኣመልኪቱ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓን ወሃብ ቃልን ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ “ኣብ ጕዕዞ ሰላም ኢትዮጵያን ንምኽታም ኲናት ትግራይ ኣበርኽቶ ክግበር ተስፋ ዘለዎ ናይ ማይላት ጕዕዞ” ክብል ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ገሊጹዎ።


ከም መግለጺ እቲ ልኡኽ፡ ኣብታ ንትግራይ ተጓዒዛ ዘላ ጕጅለ’ውን ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ (National Dialogue Commission) ተሓቚፎም ኣለዉ። ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምእታው እታ ጕጅለ፡ “ስምምዕ ሰላም ብጽቡቕ ይግስግስ ከም ዘሎ ዘርኢ ኣብነት’ዩ፡” ክብል ገሊጹዎ።


ብዘይካ’ዛ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተላኢኻ ዘላ ጕጅለ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት’ውን ንትግባረ ስምምዕ ሰላም እትከታተል ተዓዛቢት ጕጅለ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንመቐለ ክትኣቱ ትጽቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG