ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ህዝቢ ትግራይ ናይ ዝኾኑ ይኹን ህዝቢ ጸላኢ ኣይኮነን' ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል


ፕረዚደንት መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል “መሬት ትግራይ ወሪሮም ዝሓዙ ሓይልታት ብህጹጽ ካብ ዝሓዙዎ ቦታ ክወጹ ይግባእ እንተዘይኮይኑ፡ መሰልና ከነኽብር ኢና” ኢሎም።

ዶክተር ደብረጽዮን ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ብቛንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ዝመሓላለፉዎ መልእኽቲ “ህዝቢ ትግራይ ናይ ዝኾነ ይዅን ህዝቢ ጸላኢ ኣይኮነን” ኢሎም።

ምስኡ ኣብ ዝተተሓሓዘ ዜና፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተወለድቲ ትግራይ፡ ይቕተሉ፡ ይእሰሩ ካብ ስራሖም ይባረሩ ንብረቶም’ውን ይዝረፍን ኣሎ” ክብል ከሲሱ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG