ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ፅባሕ ክካየድ እዩ


እዚ ልዕሊ 2.3 ሚልዮን መረፅቲ ዝተመዝገብሉ ምርጫ ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም ምምሕዳር ዞባ ሲዳማ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊፁ:: ኣብ ከተማ ሃዋሳን ከባቢኣን ካብ ዘለዉ 165 ጣብያታት ምርጫ ኣብ ክፍለ ከተማ መናሃርያ ጣብያ ምርጫ ሰላም ዝረኸብናዮም ኣይተ ኣለማየሁ ዳግም እቲ ከባቢ ፅባሕ ንዝካየድ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ብሃንቀውታ ይፅበ ኣለኹ ኢሎም:: ኣቐዲሞም ካርድ ምርጫ ምውሳዶምን ፅባሕ ድማ ኣብ ጣብያ ምርጫ ቐዲሞም ተረኺቦም ድምፅ ከምዝህቡ ገሊፆም::

ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ፅባሕ ክካየድ እዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:24 0:00

ካልእ ኣብታ ከተማ ዝረኸብናዮ ደነቀ ሙሉጌታ ዝተባህለ ነባሪ: ቁቤ ኣብ ዝተባህለ ጣብያ ፅባሕ ድምፁ ከምዝህብ ገሊፁ:: ንምርጫ ዘድልይዎ ካርድን መለለዪ መንነትን ሒዘ እየ ክብል ተዛሪቡ:: ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምዝውዋር ፅባሕ ንዝካየድ ህዝበ ውሳነ ንጣብያታት ምርጫ ዳስ ተስሪሖም ከምዘልወ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ:: ኣብ ውሽጢ እቶም ዳስ ድማ ናይ ምስጢር ድምፂ መውሃቢ: ናይ ኣፈፀምቲ ምርጫን ተዓዘብትን ቦታ ተዳልዩ ኣሎ:: ብተወሳኺ ድማ ምልክታት እቲ ህዝበ ውሳነ ዝኾኑ ምስልታት "ሻፌታን ጎጆን" ተጠቂዖም ከምዝተዓዘበ ገሊፁ::

ኣብ ክፍለከተማ መናሃርያ ጣብያ ምርጫ ሰላም ካብ ዘለዉ ኣፈፀምቲ ምርጫ ሓንቲ ሶስና ኣበበ እያ:: ፅባሕ ንዝካየድ ምርጫ ተዳሊና ኣለና ትብል:: ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዞባ ሲዳማ ሕቶ ክልል ናይ ምኳን ኣልዒሉ ፅባሕ ድማ ህዝበ ውሳነ ክካየድ እዩ:: ኣብቲ ምርጫ ንምስታፍ 2 .3 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝተመዝገበ ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ተዛሪቦም:: እዚ ድማ ክምዝገብ ካብ ዝተተለመ ህዝቢ 120 ሽሕ ብልጫ ኣለዎ ኢሎም:: ንሶም ወሲኾም እቲ ከይዲ ምርጫ ሰላማዊ ኮይኑ ክዛዘም ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ድማ ገሊፆም:: ፅባሕ እቲ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዝካየደሉ እዋን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ውልቀ ትካላትን ከምዝዕጸው ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ፅባሕ ክካየድ እዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:35 0:00


XS
SM
MD
LG