ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ማሕበር ስነ-ኣእምሮኣውን ምዕባላውን ስንክልና ኤርትራ ጸገማት ናይ ስንኩላን ቆልዑ ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ


ሃገራዊ ማሕበር ስነ-ኣእምሮኣውን ምዕባላውን ስንክልና ኤርትራ ጸገማት ናይ ስንኩላን ቆልዑ ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባላውን ስንክልና ኤርትራ ንመሰልን ረብሓን ኣእምሮኣውን ምዕባላውን ስንክልና ዘለዎም ቖልዑ ዝሓሸ መነባብሮን ሂወትን ንክመርሑን መጻኢኦም ዝጣጥሐ ንክኸውን ብግዱሳት ወለዲ ዝቖመ ብሕታዊ ማሕበር ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ናይ’ቲ ማሕበር ኣቶ ብርሃነ በኹረጼን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።

እቲ ማሕበር ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ኣፍልጦ ወለዲ ናይቶም ስንኩላን ከኣ ብፍላይ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ኣስተምህሮታትን ጎስጓሳትን ከምዝገብር ኣቦ መንበር ናይቲ ማሕበር ሓቢሩ።ምምስራት ናይቲ ማሕበርን ምኽፋት ኣብያተ ትምህርትን ኣብቶም ቆልዑ ናይ ባህሪ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዓብይ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ወለድን መምህራንን ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG