ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

4 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ገንዘብ ናይ ምትሕልላፍ መስርሕ ጀሚረን


WorldRemit ዝተባህለ ዓለምለኸ ኩባኒያ መልኣኺ ገንዘብ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ብኦንላይን ገንዘብ ናይ ምልኣኽን ምቕባልን ኣገልግሎት ጀሚሩ።ተንተንቲ ብወገኖም እቲ ኩባኒያ ናይ መልኣኺ ክፍሊት ብምጉዳል ንንግድን ቁጠባን ኣፍሪቃ ከሐይል እዩ ይብሉ።

ኣፍሪቃ ንኩባንያታት ለኣኽቲ ገንዘብ ምቹእ ዕዳጋ ዘለዋ ሃገር ትኸውን ኣላ።

ኣብ ብሪጣኒያ ዝመደብሩ ኩባኒያ መተሓላለፊ ገንዘብ WorldRemit ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኬንያ፣ኡጋንዳ፣ታንዛኒያን ሩዋንዳን ሓድሽ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ጀሚሩ’ሎ።እቲ ኩባኒያ በብዓመቱ እንተወሓደ 1.6 ቢሊዮን ዶላር ከመሓላለፍ ተኽእሎ ኣለዎ።

መስራትን ሓላፊን WorldRemit ኢስማዒል ኣሕመድ ከምዚ ይብል።

“ኣገልግሎት ክንጅምር ከለና 99 ሚእታዊት ተቐበልቲ ይኹኑ ልኣኽቲ ጥረ ገንዘብ ይጥቀሙ ነይሮም።ሎሚ ግን ብቕልጡፍ ይለውጥ ኣሎ፤ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ዓመታት ድማ ኣስታት 50፣60 ሚእታዊት ዓለምለኸ ምልኣኽ ገንዘብ ካብቲ ልሙድ ጥረ ገንዘብ ናብ ዲጂታል ክሰጋገሩ እዩ ።ነዚ እውን ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ናትና ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ይዓቢ ዘሎ።”

እቲ ምልኣኽ ዲጂታላዊ ብዝኾነ ቁፅሪ ዋጋ መልኣኺ ገንዘብ ክወርድን ንምክትታል ድማ ቀሊልን ክኸውን እዩ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ መምህር ዓለምለኸ ጉዳያት ቁጠባ ገሪሾን ኢኪያራ እቲ ናይ ገንዘብ መልኣኺ ኣገባብ ኣብ ኣፍሪቃ ንግዲ ከደንፍዕ እዩ ኢሎም።ፀገም ሓይሊ መብራህትን ናይ ቴሌኮምኒኬሽን መሰረተ ልምዓትን ግን ኣፀጋሚ ይገብሮ ኢሎም።

ብመሰረት ባንኪ ዓለም ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነበሩ 37.8 ቢሊዮን ዶላር ናብ ኣፍሪቃ ተላኢኹ’ሎ።ኣብዚ ዓመት ድማ ናብ 39 ቢሊዮን ዶላር ክውስኽ ትፅቢት ይግበር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG