ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ መጥቓዕቲታት ኣብ ልዕሊ ብወጻእተኛታት ዝውነኑ ትካላት ዝተሓሓዝ 90 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታው ገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲራል ራምፖሳ ኣብ ከተማታት ጆሃንስበርግን ፕሪቶርያን ኣብ ልዕሊ ብወጻእተኛታት ዝውነኑ ትካላት ዝካየድ ዘሎ መጥቓዕቲታትን ዝምታን ኮኒኖም። ንሶም ብቪድዮ ዝቐረበ ዝሃብዎ መግለጺ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ መጥቓዕቲ ከምዘይትቕበሎ ሓቢሮም።