ነቀምት —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ነጆ ትማሊ ሓሙስ ሓሙሽተ ሰባት ብተረፍ አባላት ሸኔ ኦነግ ተቐቲሎም ክብል ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።
ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ ክልተ ዜጋታት ወፃኢ ምዃኖም ይፍለጥ።ኦነግ ብወገኑ ኣባገዳታትን ሽማግልታት ዓበይቲ ዓድን ናይ ዕርቂ ሓላፍነት ካብ ዝውስዱ ንነጀው ምስ ሰራዊቱ ዝነበሮ ርክብ ከምዝተቋረፀ ገሊፁ ነቲ ተግባር ዝፈፀመ አካል ኮኒኑ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ሓሙሽተ ሰባት ብተረፍ አባላት ሸኔ ኦነግ ምቕታሎም ሓቢሩ