ዋሽንግተን —
ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃን የመንን ዝርከቡ ልዕሊ 34 ሚሊዮን ሰባት ካብ ዓፀቦ ንምድሓን ብቢሊዮናት ዶላር ዝቑፀር ገንዘብ ንናይ ረድኤት ሓገዝ ብቕልጡፍ ከምዘድልይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መራሕቲ ብቁጠባ ናይ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዓፀቦ የንጸላልዎም ምህላዎም ስኽፍታቶም ገሊፆም። ብኣማእቲ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ናይ ሞት ሓደጋ ከይጋጥሞም ን ምክልኻል ሸውዓተ ቢሊዮን ዶላር ንምሕጋዝ ቃል ኣትዮም እዮም።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንመብፅዓ መራሕቲ ጉጅለ ሸውዓተ ብሓጎስ ተቐቢሉዎ'ሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ዝጠመዩ ብምንካይ ብዓፀቦ ንዝተጠቕዑ ንምሕጋዝ እናገደደ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።ወሃቢ ቃል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቶምሶን ፊሪ ኣብ የመን፤ደቡብ ሱዳን፣ቡርኪና ፋሶ፣ማዳጋስካርን ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይን ዓፀቦ ክነወግድ ኣለና ኢሎም ።
ሰበስልጣን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ሰባት ከይኣትው ብምኽልካል ንህይወት ኣድሕን ፃዕርታት ምዕንቃፍ ከምዘሎ ብምግላፅ ኵናት ይካየደሉ ኣብ ዘሎ ትግራይ 350,000 ሰባት ናብ ደረጃ ህልቂት ዝበፅሕ ጥምየት ገጢሙዎም ኣለው ክብሉ ከምኣብነት ጠቒሶም።