ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ ንግዲ ንምምዕባል ዝዓለመ ፕሮጀክት ክዛዘም ኣብ ናይ መወዳእታ ገፁ በፂሑ’ሎ።ላዕለዎት መራሕቲ ሶማሊላንድ ግን ንናይታ ሃገር ቁጠባ ንምድንፋዕን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ተራ ንምሕያልን ተወሳኺ ሓገዝ ተስፋ ይገብሩ።
ኣብ ለንደን ዝመደብሩ አማኻሪ ቑጠባ መራሕቲ ሶማሊላንድ ስርሑ ኣብ ቀረባ ከምዝዛዘመ ብቕድሚ ትማሊ ሶሉስ ገሊፁ’ሎ።
ኣድቮከሲ ፈንድ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዝተባህለ ትካል ኣብ ዓለም ዘለዋ ድኻ ሃገራት ካብ ናይ ንግዲ ርክባት ተረባሕቲ ንክኾና ዝሕግዝ እዩ።ካብ መጀመሪያ 2018 ዓ.ም ምስ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ስምምዓት ንምምዕባል ምስ መራሕቲ ሶማል ክሰርሕ ፀኒሑ’ሎ።
እቲ ምኽክር ናይ ንግድን መጎዓዚያን ረቂቕ ስምምዕ ኣውፂኡ።ብ18 ሚሊዮን ዶላር ንወደብ በርበራ ዘመናዊ ንምግባር ናይ ዝተትሓዘ ፃዕሪ ኣካል እዩ።
ናይ ሶማሊ ላንድ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ያሲን ሓጊ ማሕሙድ ሒርኣብ 1970ታት ሕብረት ሶቪየት ነበር ንወደብ በርበራ ብሰፊሑ ትጥቀመሉ ነይራ።ኣብዚ ሓድሽ ስምምዕ ግን ሩሲያ ብወግዕI ኣብቲ ስምምዕ የላን ኢሎም ።
“ኣብዚ ጉዳይ እዚ ስሩዕ ዝኾነ ዝርርብ ወይ ርክብ ኣይተገበረን።ንናይ ባዕለን ረብሓ ክብላ ምናልብሽ’ ውን ኣብ ነዊሕ ግዜ ናትና ረብሓ እውን ክኸውን ዝኽእል ግን ንናይ ርእሰን ጥቕሚ ክብላ ናባና ዝመፃ ብዙሓት ሃገራት ኣለዋ።”
ሶማሊላንድ ኣብ ናይ በርበራ ፕሮጀክት ዓብይ ትሕጃ ምስ ዘለዋ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤሜረት ውዑይን ውፅኢታውን ርክብ ኣለዋ።ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኢትዮጵያ ኣብዚ ፕሮጀክት 19 ሚእታዊ ትትሕጃ ወሲዳ እያ።
ናይ ሶማሊላንድ ፕረዚዳንት ሙሰ ብሒ ዓብዲ ኣማኻሪ ቁጠባ ዑስማን ሸኽ ኣሕመድ ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎም ይገልፁ።
“ምስ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ፅቡቕ ርክብ ኣለና።ንግዲ ንምጅማር ካብ 600 ሚሊዮን ክሳብ 700 ሚሊዮን ዶላር ዋጋ ዘለዎ ኣቑሑት ናብ ኢትዮጵያ ንሰድድ ኢና።እቲ ናይ ንግዲ ርክብ ኣዚዩ ፅኑዕ እዩ።ብዝዓበየ ኢትዮጵያ እያ ትርብሐሉ።”
ክልቲኦም ብዛዕባ ቁጠባን ፀጥታን ንምልዛብ ናይ ሶማሊላንድ ነፃነት ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይገልፁ።
ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ኣይሃባን ዘሎ።እንተኾነ ግን ይብሉ ኣሕመድ “ሶማሊላንድ ን27 ዓመታት ካብ ሶማሊያ ምፍላያ ክንፈልጦ ዝግባእ ሓቂ እዩ።ስለዚ እዚ ሓድሽ ሓቂ ወይ ክውንነት ኣይኮነን።ፀኒዑ ዝፀንሐን ዝቕፅልን እዩ።ነፃነት ሶማሊላንድ ኣብ ድልየት ህዝቢ ዝተሞርከሰ እዩ።ዝኾነ ይኹን ዝውስነሉ ሓይሊ የለን።”
ንረብሓ ህዝቦም እዚ ከምዝመርፁ እውን ተዛሪቦም።ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ግን ንሶማሊላንድ ከም ነፃ ሃገር ኣፍልጦ ኣይሃቡዋን ዘለው።
Your browser doesn’t support HTML5