ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ከምዘይወርዱ ኣፍሊጦም

መራሒ’ታ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ሰሙናት ብጎነጻዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ትሕመስ ዝቐነየት ሱዳን ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ከምዘይወርዱ ትማሊ ሶኑይ ኣፍሊጦም።

ንሶም ንደገፍቶም ኣብ ናይላ ደቡብ ዳርፉር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “መንግስቲ ብናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣይቕየርን” ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ከምዘይወርዱ ኣፍሊጦም

ሰበ ስልጣን ብወገኖም ሰልፈኛታት “ጸላእቲ” ዮም ድሕሪ ምባል ንቑጠባዊ ኩነታት’ታ ሃገር ንምምሕያሽ ይሰርሑ ምህላዎም ይገልጹ።

ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ሓድሽ ተቓውሞታት ኣብ ዋና ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ምክያዱ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሰልፈኛታት ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ብምጥላብ ጎማታት ዘቓጸሉ ክኾኑ ከለው ሓይልታት ጸጥታ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብታ ሃገር ተቓውሞ ካብ ዝጅምር መንግስቲ ክሳብ ሕጂ 29 ሰባት ምሟቶም ክገልጽ ከሎ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ግን 40 ሰባት ምሟቶም ይገልጽ።