ፕረዚደንት ኬንያ ኣስመራ ኣትዩ

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ዓርቢ 9 ታሕሳስ,2022 ኣስመራ ኣትዩ። ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝኣተወሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ተቐቢሎሞ። ድሕሪ ወግዓዊ ምቕባል መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ናብ ቤተ መንግስቲ ኤርትራ ብምምራሕ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘተኰረ ዘተ ምክያዶም ተሓቢሩ።

ዕላማ ፕረዚደንት ሩቶ ዝምድና ክልተ ሃገራት ንምሕያል ምዃኑ ወግዓዊ ምንጭታት ይሕብሩ።

ሎሚ ምሸት ንኽብሪ ፕረዚደንት ሩቶ ዝተዳለወ ወግዓዊ ናይ ድራር እንግዶት ተዳልዩ ምህላዉ ተፈሊጡ'ሎ።