ፕረዚደንት ኬንያ ሓደ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ዘለዎም መራሕቲ ሃገራት ምዃኖም ተፈሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ

ብመሰረት ኣብ ቀረባ ሊሒኹ ዝወፀ ምስጥራዊ ሰነድ ስድራ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ወፃኢ ዝተሓብአ ምስጥራዊ ሃብቲ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ።

ዓለምለኸ ኮንሶርቲዮም መርመርቲ ጋዜጠኛታት ብመሰረት ዝረኸቦ ሰነድ ናይ ቀደምን ናይ ሎሚን መራሕቲ ዓለምን ተሓባበርቶምን ዝተሓብአ ሃብቶም ይዝርዝር።

እቲ ትካል ፓንዶራ ፔፐርስ ተባሂሎም ኣብ ዝፅውዑ ሰነዳት ከምዝሓበሮ ኬኒያታን ወላዲት ኣዲኦምን፣ኣሕዋቶም ሓወሞን ልዕሊ 30 ሚሊዮን ዶላር ዝዋግኦም ሃብቶም ብናይ ወፃኢ ኩባኒያታት ኣብ ወፃኢ ሃገር ተኸዊሎም ይርከቡ ይብል።

ኣብ ናይ ሕርሻ፣ናይ መንበሪ ኣባይትን ባንክን ስራሕቲ ዝተዋፈረ ስድራ ኬኒያታ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ሃብቶም ተገይሩ ይውሰድ።ዝበዝሕ ሃብቶም ቅድሚ ፕረዚደንት ምዃኖም ዝተጠረየ እዩ።

እቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ሃብቲ ዘይሕጋዊ እዩ ማለት እኳ እተዘይኮነ ብልሽውና ንምቅላስ ግልጽነት ክህልው ፕረዚደንት ኬኒያት ፃውዒት ከቕርቡ ምፅንሖም ግን ቕንዕንኦም ኣብ ጥርጣረ ዘውድቕ እዩ።