ፕረዚደንት ኬንያ ሃገራዊ ሓደጋ ደርቂ ክእውጁ ድፍኢት ይበዝሖም

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ኬንያ ሃገራዊ ሓደጋ ደርቂ ክእውጁ ድፍኢት ይበዝሖም

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገሮም ልዕሊ ሓሙሽተ- ሚሊዮን ህዝቢ ኣጓኒፉዎ ዝርከብ ደርቂ ኣመልኪቶም ሃገራዊ ሓደጋ ክእውጁ ድፍኢት ይበዝሖም ኣሎ። ንተኸታታሊ ሻድሻይ እዋን ዘጋነፈ ሕፅረት ዝናብ ኣብቲ ዞባ ጥምየት ክጋደድ ገይሩ እዩ።

ብሓደጋ ደርቂ ዝተሃሰዩ ነበርቲ ኣብ ኬንያ ግዝኣት ዋጂር ቁሸት ኪልኪለይ ሓገዝ ክመፀሎም ብሃንቀውታ ይፅበዩ ኣለዉ። ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ኣርባሕቲ እንስሳ ካብ ዝሓልፋ መኻይን ገበርቲ ሰናይ ጉጅለታትን ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ፅርግያታት ዓሪዶም ይርከቡ።