ፕረዚደንት ኢኳተሪያል ጊኒ ድሕሪ 43 ዓመታት መዝነት ሕጂ’ውን ንኻልእ ዓወት ይቀራረብ

  • ዜና ቪኦኤ

ዛጊት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣብ መሪሕነት ነዊሕ ዝጸንሑ መራሕቲ ሃገር ሓደ ዝኾነ ምዃኑ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኢኳተሪያል ጊኒ፡ ፕረዚደንት ቲዮዶሮ ኦቢየንግ፡ ዛጊት ተቖጺሩ ብዘሎ ድምጺ ብ99% ድምጺ ይመርሕ ምህላዉ ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ምንጭታት ይሕብሩ። ወዲ 80 ዓመት ፕረዚደንት ኦቢየንግ ነታ ሃገር ንዝሓለፉ 43 ዓመታት መሪሑ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ኣቃውማ እታ ሃገር ካብ 1990ታት ካብ ዝልወጥ ኣትሒዙ፡ መብዛሕትኦም ተቓወምቲ ውድባት ካብ ምርጫ ተኸልኪሎም ምህላዎም ናይ ቀረባ ተኸታተልቲ ይሕብሩ። ድሕሪ ለውጢ 90ታት፡ ተቓወምቲ ኣብ ዘይብሉ መራሕቲ ሃገር ሓደ ዝኾነ ምዃኑ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኢኳተሪያል ጊኒ፡ ፕረዚደንት ቲዮዶሮ ወትሩ ብልዕሊ 95% ክዕወት’ዩ ጸኒሑ። መዛግብቲ ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እታ ዝተሓተ ድምጺ ዝረኸበላ ምርጫ ናይ 2016 ኰይኑ፡ ኣብኣ’ውን 93% ናይ ድጋፍ ድምጺ ምርካቡ ይፍለጥ።

ኣብ ምዕራባዊ ወገን ማእከላይ ኣፍሪቃ እትርከብ ኢኳተሪያል ጊኒ፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኰይኑ፡ እታ ሃገር ካብ ስጳኛ ኣብ 1968 ናጽነታ ካብ እትረክብ ኣትሒዛ፡ ዛጊት ክልተ መራሕቲ ሃገር ጥራይ’ያ ርእያ።