ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ፕረ. ኬንያ ኡሁሩ ኬንያ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም

ፋይል

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሓሙስ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብዚ ርክብ ኣብ ክልቲኣዊ ነጻ ናይ ግንዲ ስምምዕ ክዘራረቡ ተስፋ ተጌርሉ፡ እዚ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኣፍሪቃዊትን ሃገር ዝካየድ ናይ መጀመርያ ስምምዕ ክከውን’ዩ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ተገዳስነት ንጽልዋ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ንምምዕራይ ክከውን ከሎ ቻይና ድማ ንምሽራክ ሃገራት ኣፍሪቃን ምስ ኣሜሪካን ንምዕብላል ክትሰርሕ ጸኒሓ’ላ።

ኣቐዲሞም ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2018 ተራኺቦም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ ቤት መንግስቲ ዋይት ሃውስ እዚ ናይ ሓሙስ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ “ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኬንያን ክልቲኣዊ ስትራቴጂካዊ ልዝብ ዝምስርት’ዩ” ኢሉ’ሎ።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ብተወሳኺ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ምምዕባል ምትሕብባር ክልቲኦም ወገናትን ኣብ ንግዲን ኣብ ምፍጣር ሓደሽቲ ዕድላት ንምዝርራብ ዘለዎም ቅሩብነት ምግላጾም ሓቢሩ’ሎ።

ኣሜሪካ ምስ 20 ሃገራት ስምምዕ ንግዲ እንተለዋ’ውን ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ከምዘይብላ ይፍለጥ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖምፐይ ንመጀመርያ ጊዜ ካብ የካቲት 15 ክሳብ 19 ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣንጎላ፡ኢትዮጵያን ሴኔጋልን ክበጽሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ’ሎ።