ፕረዚደንት ባይደን 'ዋዕላ ሓድነት' ዝተሰምየ ኣኼባ ኣብ ዋይት ሃውስ የተኣናግዱ

  • ዜና ቪኦኤ

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብ ምክፍፋልን ፅልኢን ዝተመስረተ መጥቓዕቲ ንምቅላስ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘዳለዎ ዋዕላ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንልዕልነት ፀዓዱ ንዘንቀሳቐሱ ብትሪ ብምንቃፍ እታ ሃገር ንናቶም "መርዛም’’ ፖለቲካዊ ኽፍፍል ክትስዕሮ ኣተሓሳሲቦም።

ናይ ባይደን ነቐፍቲ ድማ ነዚ ዘንበልብሎ ዘሎ ባዕሉ ባይደን እዩ ክብሉ ይኸሱዎም።

ፕረዚደንት ባይደን 'ብሓድነት ደው ንብል' (United We Stand Summit) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተዳለወ ዋዕላ ኣብ 2017 ኣብ ቻርሎትስቪል ቨርጂንያ ንልዕልነት ፀዓዱ ብዘንቀሳቐሱ ዝተፈፀመ መጥቓዕትን ነዚ እትቃወም ዝነበረት ሰበይቲ ዝተቐተለትሉን ኣጋጣሚ ብምዝኽኻር ንልዕልነት ፀዓዱ ናይ ዘንቀሳቀሱ መርዝን ህውከትን ናይዚ ጊዜ ታሪኽ አካል ክኸውን ኣይኽእልን ኢሎም።

እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተፈላልየ እዋናትን ቦታታትን ግዳያት ጃምላዊ መጥቓዕቲ ንዝኾኑ ማሕበረሰባት ክብሪ ዝሃበ እዩ ክብል ዋይት ሃውስ ገሊፁ።

ኣሃዛዊ መዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ YOUGOV ዝተባህለ ትካል ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅኦ ኣሃዝ 66% ኣመሪካዊያን ካብ መጀመሪያ 2021 ጀሚሩ ኣብዛ ሃገር ፖለቲካዊ ኽፍፍል እናኸፍአ ይኸይዱ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለዎም ይብል።