ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣመሪካውያን ሳልሳይ መበራትዒ መርፍእ ክኽተቡ ምዃኖም ሓቢሮም

ፕረዚደንት ባይደን

ኣስታት ፍርቂ ካብ ኣመሪካውያን ኣንጻር ኮቪድ-19 ተኸቲቦምሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ምምሕዳር ባይደን ንሳልሳይ መበራትዒ መርፍእ፡ ብረቡዕ፡ ኣዊጁ። ብመሰረት ካብ ቤተ-መንግስቲ ዝወጸ ሓበሬታ እቲ ሳልሳይ መርፍእ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናይ ካልኣይ ክታበት ዝውስደ’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን።"ሸሞንተ ኣዋርሕ ድሕሪ መወጋእቲ ካልኣይ መርፍእ፡ ሳልሳይ መበራትዒን ክታበት ተወግኡ። እቲ ክታበት ብናጻ’ዩ ክወሃብ። ኣስታት 80-ሽሕ ዝበጽሓ ማእከላት ክታበት ኣለዋ። ኣብ ሓንቲ ካብኣተን ኬድኩም ተኸድተቡ። ቀሊል’ዩ።”ኢሎም

ክታበት እቲ ዝወሓሰ መላኸሊ ኮቪድ-19 ደኣ ይዅን እምበር፡ ብሰንኪ ብዙሓት ዘርእዩዎ ዘለዉ ምድሕርሓር፡ መጠን ሞትን ሕማምን ከይገድድ ስግኣት ከም ዘለዎ ዶክተር ቪቨክ ሞርፊ ስክፍታኡ ይገልጽ።

ብዙሓት ሃገራት ገና ከይከተባ፡ ኣመሪካ ንሳልሳይ እብረ መርፍእ ትቀራረብ ምህላዋ ግን ብብዙሓት ተነቒፉ ኣሎ።

እቲ ሕማም ናይ ሃብቲ መርኣዪ ኰይኑ፡ ምትሕብባር ምስ ዝጎድል፡ ንምጥፋኡ’ውን ክኸብድ ምዃኑ’ዮም እቶም ነቐፍቲ ይዛረቡ።

ነዚ ነቕፌታ ግን ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣመሪካ ንኻልኦት ሃገራት ዝለገሰቶ መጠን ክታበት ብምርኣይ’ዮም ዝምልሱ። ኣመሪካ ኣመት ዜጋታታ እናገበረት ንኻልኦት ምሕጋዝ’ውን ከም ዘይተቋርጾ ፕረዚደንት ባይደን ይገልጹ። ኣስታት 100-ሚልዮን ንኻልኦት ሃገራት ተወፍዩ ዘሎ መጠን ክታበት ናቱ መርኣያ ምዃኑ ድማ ይጠቕሱ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ኣመሪካ ኣበጊሳቶም ዘላ መደብ ነቲ ብትካሎም ዝወጸ መመርሒ ዝጻረር ምዃኑ ይነግሩ። ብመሰረት ምሕጽንታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ክታበት ናብ ኩሉ ክሳብ ዝባጻሕ ንመበራትዒ መርፍእ ክታበት ደው ምባል’ዩ።