ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ብድንጋገ 14046፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዘሎ ኲናት፡ ንሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ኣስጋእቲ ኣብ ዝብል መዝገብ ክትቅጽል ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣሕሊፎም።
መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ከም ዘመልክቶ፡ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ኣብታ ሃገር ንሰፊሕ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ዓሌት-ተኰር ኣድልዎን ብርሰት ትሕተ-ቅርጻዊ ስራሓትን ምኽታሉ ገሊጹ። ኣስዒቡ ድማ እቲ መግለጺ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝርአ ዘሎ ዘይርጉእነትን ቅልውላውን ዝሓለፈ ዓመት ብ17 መስከረም 2021 ዝተነብረ፡ “ንሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ኣስጋእቲ” ዝብል መዝገብ ሕጂ’ውን ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ክትጸንሕ ወሲኖም።
እዚ ምሕዳስ መዝገብ እቲ ቀዳማይ ካብ ዝወድቀሉ ዕለት 17 መስከረም ጀሚሩ ክቕጽል ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋይት-ሃውስ ብስም ፕረዚደንት ባይደን ዝተፈረመ ጋዜጣዊ መግለጺ የረድእ።