ፕረዚደንት ባይደን ንፕረዚደንት ሜክሲኮ ተቐቢሎም:ኣዘራሪቦም

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ንፕረዚደንት ሜክሲኮ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶርን

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንፕረዚደንት ሜክሲኮ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር ኣብ ጉዳያት ሚግረሽን: ጸጥታን ቁጠባን ንምዝርራብ ሎሚ ሰሉስ ሓምለ 12,2022 ኣብ ዋይት ሃውስ ተቀቢሎሞም።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ንሪፖርተራት ከምዝበልዎ
ክልቲኣቶም ወገናት ትሕተ ቅርጺ ከባቢታት ዶብ ክልቲኣተን ሃገራት ምምሕያሽ ዘይሕጋዊ ስደት ንምፍታሕ ሕጊ ኣብ ምትግባር ንምትሕብባር ኣብ ጽዓት:ጸጥታ: ቁጠባን ብልጽግናን ብዛዕባ ዝወስድዎም 'ሓባራዊ ስጉምታት' መግለጺ ክህቡ ትጽቢት ይግበር።

መራሒ ሜክሲኮ ሎፔዝ ኦብራዶር ብወገኖም ትማሊ ሰኑይ ከምዝበልዎ ኣብ ሜክሲኮን ኣመሪካን ንዘሎ ዝቅባበ ንምፍታሕ ክተሓባበርሉ ኣብ ዝኽእልሉ ጉዳያት ክመያይጡ ምዃኖም ንሪፖርተራት ሓቢሮም።

እቶም ፕረዚደንት ሜክሲኮ ነዚ ናይ ኣመሪካ ዑደቶም ዝገብሩ ዘለዉ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ዝተቃነዐ አኼባ ሃገራት ኣመሪካ ምክፋል ድሕሪ ምእባዮም ድሕሪ ሓደ ወርሒ'ዩ። ምኽንያት መእበይኦም መራሕቲ ኩባ:ኒካራጋዋንን ቨነዝወላን ካብቲ ኣኼባ ክግለሉ ተጌሮም ብምባል'ዩ።