ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ወሪዶም

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ኣብታ ሃገር ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞ ብወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ካብ መዝነቶም ምውራዶም ተገሊጹ። ሚንስትሪ ምክልኻል’ታ ሃገር ዓወድ መሓመድ ኢብኑፍ ሎሚ ሓሙስ ብመደበር ቴሌቭዥን ሱዳን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ውሑስ ቦታ ከምዘለው ኣፍሊጦም።