ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፈረንሳ ተዓዊቶም

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን

ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ምርጫ ንናይ የማናይ ጽንፊ ዓቃባዊት ማሪን ለ ፐን ብምስዓር ተዓዊቶም።

ማክሮን ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዳግም ዝተመረፁ ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት እዮም።ኣቐዲሞም ፕረዚደንት ዝነበሩ ዣክ ሺራክ ኣብ 2012 ንወላዲ ኣቦ ለ ፐን ብምስዓር'ዮም ሽዑ ናብ መዝነት ዳግማይ ዝመጹ: ለ ፐን ኣብ ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ክሳተፋ እዚ ናይ ሎሚ ንሳልሳይ ግዜ እንተኾነ እውን ናይ ትማሊ ሰንበት ዝሓሸ ምንቅስቓስ ዝገበራሉ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ: ንፕረዚደንት ዩክሬን ዘለስንኪ ሓዊሱ ናይ እንዃዕ ሓጎሰኻ መልእኽቲ ናብ ፕረዚደንት ማክሮም ሰዲዶም'ዮም:
ፕረዚደንት ባይደን'ውን ኣብ ትዊተር ናይ እንዃዕ ሓጎሰኻ መልእኽቲ ጽሒፎም'ዮም።

ፈረንሳ ብእገዳታት ንሩሲያ ንምቕፃዕን ንዩክሬን ኣፅዋር ብምቕራብን ንዓለምለኸ ፃዕርታት ኣብ ምምራሕን ትርከብ።