ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑአል ማክሮን ኣንፃር እስላማዊ ዕጡቓት ይዋግኡ ዘለው ወታሃደራቶም ካብ ማሊ ከም ዝወጹ ኣፍሊጦም።ህልውና ወታሃደራቶም ኣብ ጎረቤት ሃገራት ምዕራፍ ኣፍሪቃ ግን ክቕፅል እዩ ኢሎም።
ፕረዚደንት ማክሮን ንምውጻእ ወታሃደራት ፈረንሳ ካብ ማሊ ብዝምልከት ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብስትራተጅን ዕላማን ምስ ዘይሰማምዑና ስበ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ማሊ "ወታሃደራዊ ምትእትታው እናገበርና ክንቅፅል ይንኽእልን" ኢሎም።
ፈረንሳ ኣብ ማሊ ዝርከቡ 2,400 ሓዊሱ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣስታት 4,300 ወታሃደራት ኣለውዋ።ሓይልታት ፈረንሳ እስላማዊ ጥሩፍት ካብ ስልጣን ንምውጋድ ካብ 2013 ኣትሒዞም ኣብ ማሊ ይርከቡ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ መራሕቲ ኣውሮጳ ታኩባ ብዝብል ዝፍለጥ ብኣውሮጳ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ግብረ ሓይሊ ካብ ማሊ ከምዘውፅእ ኣፍሊጦም ኣለው። ግብረ ሓይሊ ታኩባ ካብ ፈረንሳ ሓዊሱ ካብ ልዕሊ 10 ሃገራት ኣውሮጳ ዝተዋፅኡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ዝሓቖፈ ሓይሊ እዩ።