ፕረ.ግብጺ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዓለምለኸ ስምምዕ ክብጻሕ ጸዊዖም

  • ገብረ ገብረመድህን

ፕረ.ኣል ሲሲ ብርሕቐት ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕ/ሃ ዘስምዕዎ መደረ

መራሕቲ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብቲ ዋዕልኡ ዝቕጽል ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት መደረኣን የስምዓ ኣለው። ፕረዚደንት ግብጺ ዓብድል ፈታሕ ኣል ሲሲ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተቐረፀ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ንሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ስምምዕ ክፍፀም ፀዊዖም።

"ናይል ናይ ግብፂ ናይ ህይወት መስመር እዩ እዚ ግብፂ ኣብ ግድብ ህዳሴ ዝስምዓ ዝለዓለ ስቓይ ዝሕብር እዩ’’ዝበሉ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ነቲ ዞባ ክዘርግ ዝኽእል ብሓደ ወገን ዝፍፀም ዘሎ ፖሊስ ስለዝኾነ ግብፂ ንኹሉ ኣብ ዝሓቖፈ ስምምዕ ክብፃሕ ቅርብቲ እያ ኢሎም።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ግድብ ህዳሴ ሓፈሻዊ፣ሚዛናዊን ብሕጊ ኣሳሪ ዝኾነን ስምምዕ ክህልው ፀዊዖም ኣለው።

ኢትዮጵያ ምምላእ እቲ ግድብ ምስጀመረት ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ልዝብ ክቕፅል ግብፅን ሱዳንን ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ፀዊዐን እየን።ኢትዮጵያ ንዝኾነ ይኹን ናይቲ ቤት ምኽሪ ተሳትፎ ትቃወም።