ፕረ.ጊኒ ቢሳው ዝተፈተነ ዕልዋ ምስ ምዝውዋር ሓሺሽ ምትሕሓዝ ክህልዎ ከምዝክእል ሓቢሮም

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ፕረዚደንት ጊኒ ቢሳው ዑማሮ ሲሰኮ ኢምባላ

ዋና ከተማ ጊኒ ቢሳው ድሕሪ`ቲ ትማሊ ሰሉስ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ሎሚ ረቡዕ ዝሃደአት ትመስል፡ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ዑማሮ ሲሰኮ ኢምባላ፡ እቲ ምስ ሰበ-ስልጣኑ ኣብ ኣኼባ ከሎ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ፈተነ ዕልዋ ኣንጻር ደሞክራሲ ዝተገብረ መጥቃዕቲ`ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ጊኒ ቢሳው እቲ መጥቃዕቲ ዝተወሃሃደ ከምዝነበረን ምናልባት`ውን ምስ ምዝውዋር ሓሺሽ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣፍሊጡ`ሎ።

በቲ ነቲ መንግስቲ ንምድሓን ዝተገብረ ኩናት ድማ ብኽልቲኦም ወገናት ዝሞቱ ሰባት ከምዘለዉ ዘፍለጠ ፕረዚደንት ዑማሮ ንሰራዊት ምክልኻሉ ምስጋና ሂቡ`ሎ።