ፕረ.ኣል ሲሲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ምስ ፕረ.ሳል ተራኺቦም:ተዘራሪቦም

  • ገብረ ገብረመድህን

ግድብ ህዳሴ -ኢትዮጵያ (ፋይል)

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታህ ኣል ሲሲ ንምምላእን ኣሰራርሓን ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ "ሕጋዊ፣ፍትሓዊ፣ሚዛናውን ኣሳርን" ስምምዕ ክብፃሕ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ምስ ናይ ሴኔጋል መዘነኦም ፕረዚደንት ማኪ ሳል ኣብ ቀረባ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተራኸቡሉ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲን ፕረዚደንት ሳልን ብመንፅር ኣብዚ ወርሒ ዝጅመር ናይ ሰኔጋል ኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ ምውዳድን ምኽክርን ክህልው ተሰማሚዖም ኣለው።