ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንፈለማ ጊዜ ኣብ ሶማል ምብጻሕ የካይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ሎሚ ሓሙስ ሞቃዲሾ ኣትዮም ኣለው። እቲ ዑደት አካል እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተበጽሓ ሱሉሳዊ ስምምዕ ሰላም ምኳኑ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእክቲ ሓቢሮም።