ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ሎሚ ሶኑይ ንናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝኣተውሉ ምስ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ሳልቭኬር ማድርየት ሰፊሕ ልዝብ ምክያዶም ኣብ ዘውጽእዎ ሱሉሳዊ ሓባራዊ መግለጺ ሓቢሮም።
ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምስፋን ምትሕብባሮም ክቕጽሉ ኣብ ዝብል ጉዳይ ጸቒጦም ዝተዘራረቡ ክኾኑ ከለው ኣብ ዞባዊን ኣህጉራዊ ጉዳያት`ውን ምዝርራቦም ተፈሊጡ`ሎ።
ብተወሳኺ ዞባዊ ቑጠባዊ ውህደትን ብልጽግናን ዘጎናጽፉ ፕሮጀክትታት ብዝምልከት ኣትኵሮም ምዝርራቦም እቲ መግለጺ ሓቢሩ`ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ርክብ መራሕቲ ኤርትራ፣ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ኣስመራ
ኣቐዲሞም ትማሊ ሰንበት መራሕቲ ኤርትራ፣ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ኣስመራ ርክብ ኣካይዶም ኔሮም`ዮም።
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ኣስመራ ስሉሳዊ ርክብ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ንዘሎ ሓባራዊ ሽርክነታዊ ዝምድናን ንሰለስቲኦም ኣብ ዘገድሱ ዞባዊ ጉዳያትን ዝርርብ ኣካይዶም።
ብመሰረት ዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ መዳይ ቁጠባ፣ጸጥታን ሰላምን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ትሕተ ቅርጽን ብሓባርን ሽርክነትን ክሰርሑ ኣብ ዘኽእሎምነጥብታት ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም መንግስታዊ ጸብጻባት ይሕብሩ።
Your browser doesn’t support HTML5
ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ንናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ደቡብ ሱዳን በጺሖም