ፕረ. ትራምፕ ኣብ ልዕሊ 6 ሃገራት ሓድሽ ናይ ኢምግሬሽን ሕጊ እገዳ ከምዘንብር ኣፍሊጡ

Your browser doesn’t support HTML5

ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ንናይ ጸጥታ መዓቐኒታት ኣየማልኣን ንዝበለን ሽዱሽተ ሃገራት ሓድሽ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ እገዳ ከምዘነብር ብዓርቢ ኣፍሊጡ’ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ እዚ ሓድሽ ሕጊ ካብ ሃገራት ካርዛጊስታን፡ማይነማር፡ኤርትራ፡ናይጀርያ፡ሱዳንን ታንዛንያን ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ስደኛታት ኣብ ዝሓትዎ ገለ ቪዛታት ቀይዲታት ከምዝህልው ሓቢሮም ኣለው።