ፕረ. ትራምፕ ብሀረኬን ማይክል ንዝወረደ ዕንወት በጺሖም

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረ. ትራምፕ ብሀረኬን ማይክል ንዝወረደ ዕንወት በጺሖም

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ብዓልቲ ቤቶም መላንያ ትራምፕ ብምዃን ከቢድ ህቦብላዊ ዝናብን ንፋስን ሀረኬን ማይክል ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ፓንሃንድል ዘውረዶ ዕንወት ንምዕዛብ ሎሚ ሶኑይ ኣብቲ ከባቢ ዑደት ኣብ ዝፈፀምሉ እዋን ንኣማሓዳር እታ ክፍለ ግዝኣት ሪክ ስካት ንኢዶምዎም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጎኒ ኣመሓዳሪ ስካት ኮይኖም ከምዝተዛረብዎ ዘይእመን ስራሓት ተሰሪሖም’ዮም ኢሎም።

ንሶም ቀጺሎም ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ከምዝበፅሑ እውን ገሊፆም ኣለው።

ሀረኬን ማይክል ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ብዘስዓቦ ሓደጋ 17 ሰባት ምሟቶም ተፈሊጡ’ሎ።