ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ባይደን ጸላም ጓለንስተይቲ ንላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ከምዝስይም ኣፍሊጡ። ባይደን ኣብ ግዜ ጎስጓስ ምረጹኒ ጸላም ጓለንስተይቲ ንምስያም ንዝኣተዎ ቓል ንምትግባር ነቲ ጡረታ ከምዝወጽእ ዘፍለጠ ላዕላዋይ ዳኛ ስቲፈን ብራየር ከም ትትክእ ኣፍሊጡ`ሎ።
ኣብ ዋይት ሃውስ ብዛዕባ ምውጻእ ጡረትኡ ዝፍለጠ ስቲፈን ብራየር፡ ደሞክራሲ ኣመሪካ ብተመክሮ ዝሓልፍ ኮይኑ ክቕጽል`ዩ ክብል ተዛሪቡ። እቲ ዳኛ ኣብ ዘረብኡ፡ ኣብ ዝመጽእ ወለዶ`ውን ደቂ ደቀይን ደቆምን፡ እቲ ናይ ደሞክራሲ ተመክሮ ምስርሑን ዘይምስርሑን ዝውስንሉ ክኸውን`ዩ ፡ ኣነ ግን ጽቡቕ ተስፋ`ዩ ዝርኣየኒ ኢሉ።
ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ቀንዲ ኣካል መንግስቲ ኣመሪካን ኣብ ምትርጓም ሕገ-መንግስቲ ፡ ምምሕዳር ኮነ ባይቶን ግዝኣታትን ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝህብን ምዃኑ ይፍለጥ።፨