ፕረ. ባይደን ካብ’ቲ ሒዝዎም ዝቀነየ ቫይረስ ኮሮና ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተገላገሉ ዶክተሮም ገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    በትረ ስልጣን

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ካብ’ቲ ሒዝዎም ዝቀነየ ቫይረስ ኮሮና፣ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተገላገሉ ዶክተሮም ገሊጹ።

እቶም ፕረዚደንት ብወገኖም ኣካላዊ ምንቅስቃስ ንምጅማር እኹል ዓቅሚ ከምዘለዎም ብምሕባር ይኹን ደኣ እምበር ዕለታዊ ስርሖም ተወሺቦም ከምዝቅጽሉ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ባይደን ዝሓለፈ ሓሙስ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተሓዙ ንደሓር ስርሖም ብቪድዮ ካብ ዝተወሸብሉ ስፍራ ቀጺሎምሉ ከምዘለው ዝዝከር እዩ።

ክልተ ጊዜ ዝተኸትቡን ክልተ ጊዜ መሓየሊ ክታበት ዝወሰዱ ፕረዚደንት ባይደን፣ ንዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት መጠነኛ ምልክታት ኮቪድ19 ይራኣየሎም ከምዝነበረ፣ በዓልቲ ቤቶም ግና ካብ’ቲ ቫይረስ ናጻ ከምዝኾና እቲ ዜና ይጠቅስ።