ፕረ.ባይደን ንውጥን ምግዛእ ንኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝወሃብ 500 ሚልዮን መጠን ክታበት ቫይረስ ወግዓዊ ጌሮም

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንምግዛእ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ዝወሃብ ተወሳኺ 500 ሚሊዮን መጠን ክታበት ወይ ዶዝ ኮቪድ 19 ብዝምልከት ውጥን ሎሚ ረቡዕ ወግዓዊ ጌሮም።

ኣመሪካ ቅድም ክብል ንትሑት አታዊ ዘለወን ሃገራት ዝኸውን ካብ ኩባኒያታት ኣፍረይቲ መድሓኒት ፋይዘርን ባዮንቴክን ክሳብ መወዳእታ ዝቕፅል ዓመት ሰነ 500 ሚሊዮን መጠን ንምግዛእ ቃል ኣትያ ነይራ።እዚ ኣመሪካ ንዓለም እተወፍእዮ ክታበት ወይ ዶዝ ኮቪድ 19 ድምር ሓደ ቢሊዮን ይገብሮ።

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ኣብ ዓለም ሸቶ ክታበት ንምዕዋት 11 ቢሊዮን መጠን ክታበት ከምዘድሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ገሊፆም ነይሮም።