ፕረ.ባይደን ንቀዳማይ ዓመት መሪሕነቶም ዝምልከት መግለጺ ሂቦም

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃብዎ ንውሕ ዝበለ ጋዜጣዊ መግለጺ ፈላማይ ዓመት ስልጣኖም በዳሂ ግን ኸኣ ዓብይ ምዕባለ ዝተገብረሉ እዩ ክብሉ ተኸላኺሎም።

ባይደን ንዝሓለፈ ናይ 1.9 ትሪልዮን ዶላር ድጎማን ሓደ ትሪልዮን ንዝተበላሽወ ትሕተ- ቅርጽ ዳግመ ምህናጽን ሓዊሱ ንዝዓመምዎ ስራሕ ብዝምልከት ብሐበን ተዛሪቦም'ለዉ።

ከምኡ'ዉን ክታበት ኮቪድ19 ዝተኸትቡ ኣመሪካውያን ቁጽሮም ከም ዝወሰኸን ሸቅሊ ኣልቦነት ብዓብይ ቁጽሪ ከምዝነከየን ጠቂሶም'ለዉ።

እንተኾነ ንውሕስነት ማሕበራዊ ሴፍቲ ኔትን ለውጢ ክሊማን ዘቅረብዎ 1.8 ትሪልዮን ዶላር ካብ ማእኸላይ መርገጺ ዘለዎም ዲሞክራት ሰነተር ጆ ማንቺን ብዝገጠሞ ተቃውሞ ውዱቕ ኮይኑ'ሎ። ድምጺ ሰነተር ማንቺን ኣብቲ ፍርቂ ፍርቂ ድምጺ ዘለዎ ሰነት ወሳኒ ድምጺ'ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን እዚ ዘገጠሞም ዕንቅፋት ምናልባት ንኣመርካውያን ዝኣተውዎ ቃል ካብ መጠን ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኸአለ ዘርኢ'ዶ ይኸውን ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ መሊሶም'ለዉ።

"ካብ መጠን ንላዕሊ ቃል ኣይኣተኹን። ዛጊት ዝዓመምናዮ እንተሪኢኹም ብዙሕ ንቅድሚት ኸድና'ለና። ክሳብ ሎሚ ዘይገበርኩዎን ክገብሮ ዘይኸኣልኩን ነዛ ሃገር ዝሐሽ ነገር ንምግባር ንሩፕብሊካን ብጾተይ ክጽንበሩና ክገብር ዘይምኽኣለይ እዩ" ኢሎም።

ባይደን እቲ ዘለዎም ውጥን ናብ ንኣሽቱ ክፍልታት ክመቃቅልዎ ከምዘለዎም ገሊጾም'ለዉ። ኣብ ምርመራታት ኮቪድ19 ዝያዳ ንኽመሓየሽ ምምሕዳሮም ክሰርሑ ከምዘለዎምን አፍልጦ ሂቦም'ለዉ።